
2.2K
Downloads
23
Episodes
An Eritrean Orthodox Priest Rooted in the timeless wisdom of the Church Fathers, this podcast is a humble offering from a servant of the Eritrean Orthodox Church. Under the pen name Fnote-Atnatiewos, I share reflections, teachings, and spiritual guidance—born from love for Christ and a deep responsibility to shepherd the faithful entrusted to me. May each episode inspire, uplift, and strengthen you in your daily walk with our God, Savior, and Lord Jesus Christ. ”ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ እዩ።” /ምሳሌ 25፡11/ ከም ዝብል፡ ቅምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታትን ኣዴታትን ዉን ከምኡ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፖድካስት፣ ትምህርቲ ቅዱሳን ሊቃዉንቲ እንብሎም፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ዘለዉ፣ ብቅድስና ህይወቶምን፣ ብቅንዕና ትምህርቶምን ዝተመስከረሎም መማህራን ቤተክርስቲያን፣ ትምህርቶም ንምትሕልላፍ እዩ። ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ብዓቢኡ ጐይታ ዝሰረቶ፣ ብድሕሪኡ ዉን ሓዋርያት ዝነደቕዎ፣ ሰዓብቲ ሓዋርያት በዓል ፖሊካርፐስ፣ ኢግናጥዮስ፣ ሄራንዮስ፣ ቀለሜንጦስ፣ ኢራንዮስ፣ ኣትናቴዎስ፣ ኣፈወርቅ፣ ቄርሎስ፣ ባሲልዮስ፣ ጎርጎርዮስ. . . ወዘተ ዝመሃርዎ ትምህርቲ እዩ። ትምህርቶም ዘገድሰኩም እንድሕሪ ኮይኑ፣ ናብ ቅኑዕ ፖድካስት መጺእኹም ኣለኹም። ታራ ካህን እየ፣ ፍቕሪ ክርስቶስ ናብ ዂሉ ክበጽሕ ዓቢ ባህጊ ኣለኒ፣ ስለዚ ሰሚዕኹም ክትረብሕሉን፣ ንካልኦት ምእንቲ ክጠቕሞም ዉን ናብ ካልኦት ሼር ክትብልዎ ይላበው። ምስጋና ንአብ፣ ምስጋና ንወልድ፣ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ፣ ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም፣ ኣሜን።
Episodes

May 1, 2025
May 1, 2025
33 min
ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።"
- ቀንዲ መልእክቲ ናይዛ ሕጊ እንታይ እዩ?
- ንእግዚአብሔር ኣምላኽ`ከ ከመይ ጌርና ከነምልኾ ይግባእ?

Apr 30, 2025
Apr 30, 2025
41 min
ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።" እንታይ ማለት እዩ፧? እንታይ ይፈቕድ፣ እንታይ ከ ይኽልኽል? ኣብዛ ቀዳመይቲ ክፋል ብዛዕባ ስእልን ኣጠቃቕምኡን፣ ክንዝትይ ኢና።

Apr 19, 2025
Apr 19, 2025
15 min
ናይ ቁስጥንጢንያ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ከባቢ 400 ዓ.ም. ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፈ-ወርቅ ናብ ምእመናን ዝሰደዶ መልእክቲ ፋሲጋ፣ ብምንያት በዓለ ፋሲጋ ክትሰምዕዎ ናባኹም የብሎ። ብሩኽ በዓለ ፋሲጋ። ርሑስ በዓለ ትንሳኤ!

Mar 31, 2025
Mar 31, 2025
34 min
ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ሳልሰይትን መወዳእታ ክፋልን ናይ ሰለስተ ክፋል እያ።

Mar 31, 2025
Mar 31, 2025
28 min
ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ካልአይቲ ናይ ሰለስተ ክፋል እያ።

Mar 31, 2025
Mar 31, 2025
45 min
ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ቀዳመይቲ ናይ ሰለስተ ክፋል እያ።

Mar 15, 2025
Mar 15, 2025
32 min
ኣብ ዓቢ ጾም፣ ጾመ 40 (2017 ዓ.ም.ግ ወይ 2025 ዓ.ም.ግ) ዝተዋህበ ንምእመናን ዝተዋህበ ትምህርቲ። እዚ መእተዊ ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት ኮይኑ፣ ካልኣይ ክፋል ሰሚዕኹም ንበረኸት ክኾነኹም ጸሎተይ እዩ።

Mar 15, 2025
Mar 15, 2025
37 min
ኣብ ዓቢ ጾም፣ ጾመ 40 (2017 ዓ.ም.ግ ወይ 2025 ዓ.ም.ግ) ዝተዋህበ ንምእመናን ዝተዋህበ ትምህርቲ። እዚ መእተዊ ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት ኮይኑ፣ ቀዳማይ ክፋል ሰሚዕኹም ንበረኸት ክትኻፈሉ፣ ናባኹም የብሎ።

ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን። ሰላም ንዓኹም! ፈለገ ጥበብ ስም ናይ ዝዓበኹሉ ትምህርቲ ሰንበት እዩ፣ ፍኖተ ኣትናቴዎስ ድማ ናይ ብርዒ ስመይ ኮይኑ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ዘገልግል ታራ ካህን እየ።
እዚ ትምህርቲ፣ ነቶም ብጉስነት ንዝመርሖም ምእመናን የሕዋተይን ኣሓተይን ዝተዳለወ ሶሙናዊ መደብ ኮይኑ፣ ንስኻትኩም ዉን ሰሚዕኹም በረኸት ክትካፈሉ ናባኹም የብሎ ኣለኹ።
ዝረብሕ ኮይኑ እንድሕሪ ረኺብኩሞ፣ ናብ ካልኦት ሼር ብምባልን ላይክ ብምግባርን ንዕቤት ናይዚ ፖድካስት እጃምኹም ከተበርኽቱ ብትሕትና ይሓትት።
እግዚአብሔር ይባርኹም፣ ገጹ የብርሃልኹም። ኣሜን
