
2.2K
Downloads
23
Episodes
An Eritrean Orthodox Priest Rooted in the timeless wisdom of the Church Fathers, this podcast is a humble offering from a servant of the Eritrean Orthodox Church. Under the pen name Fnote-Atnatiewos, I share reflections, teachings, and spiritual guidance—born from love for Christ and a deep responsibility to shepherd the faithful entrusted to me. May each episode inspire, uplift, and strengthen you in your daily walk with our God, Savior, and Lord Jesus Christ. ”ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ እዩ።” /ምሳሌ 25፡11/ ከም ዝብል፡ ቅምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታትን ኣዴታትን ዉን ከምኡ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፖድካስት፣ ትምህርቲ ቅዱሳን ሊቃዉንቲ እንብሎም፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ዘለዉ፣ ብቅድስና ህይወቶምን፣ ብቅንዕና ትምህርቶምን ዝተመስከረሎም መማህራን ቤተክርስቲያን፣ ትምህርቶም ንምትሕልላፍ እዩ። ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ብዓቢኡ ጐይታ ዝሰረቶ፣ ብድሕሪኡ ዉን ሓዋርያት ዝነደቕዎ፣ ሰዓብቲ ሓዋርያት በዓል ፖሊካርፐስ፣ ኢግናጥዮስ፣ ሄራንዮስ፣ ቀለሜንጦስ፣ ኢራንዮስ፣ ኣትናቴዎስ፣ ኣፈወርቅ፣ ቄርሎስ፣ ባሲልዮስ፣ ጎርጎርዮስ. . . ወዘተ ዝመሃርዎ ትምህርቲ እዩ። ትምህርቶም ዘገድሰኩም እንድሕሪ ኮይኑ፣ ናብ ቅኑዕ ፖድካስት መጺእኹም ኣለኹም። ታራ ካህን እየ፣ ፍቕሪ ክርስቶስ ናብ ዂሉ ክበጽሕ ዓቢ ባህጊ ኣለኒ፣ ስለዚ ሰሚዕኹም ክትረብሕሉን፣ ንካልኦት ምእንቲ ክጠቕሞም ዉን ናብ ካልኦት ሼር ክትብልዎ ይላበው። ምስጋና ንአብ፣ ምስጋና ንወልድ፣ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ፣ ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም፣ ኣሜን።
Episodes

Sep 11, 2026
Sep 11, 2026
29 min
እንቛዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ፣ ናብ ሓድሽ ዓመት 2019 ዓ.ም. ብሰላም ኣብጽሓና። ነዚ ምጅማር ሓድሽ ዘመን ዝኸዉን መልእክቲ ንበረኸት ክኾነኩም ናባዂም የብሎ ኣለኹ። ሰሚዕዂ ክትባረኽሉን ጸሎተይ እዩ። ብጸሎት ንዘኻከር!

Jul 17, 2025
Jul 17, 2025
21 min
መልእክቲ ናብ ሰብ ዕብራዉያን ምዕራፍ 4 ከም ዝነግረና፣ ሰንበት ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነት፣ እንኮላይ ናይታ ተስፋ እንገብራ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ፣ መዓልቲ ጐይታ መንግስቲ ኣምላኽ እንወርሰላ፣ ምሳሌ ዉን እያ። መዓልቲ ሰንበት ምኽባር እንኮላይ በዓላት ጐይታ ከነብዕል ዉን ይእዝዘና። ዓብየቲ በዓላት ናይ ጐይታ ኲሉ ግዜ ክቅደሳን፣ ከነኽብረን ተኣዚዝና ኣለና።

Jul 6, 2025
Jul 6, 2025
29 min
ኣብዛ ሳልሰይቲ ክፋል፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከመይ ጌሩ ንቀዳም፣ ብመዓልቲ ትንሳኤኡ ብሰንበት ምልኣት ከም ዘልበሳን፣ ሰንበት ናይ ምሕረት ናይ ፈዉስን ናይ ሕድገትን ምዃና ከም ዝመሃረን፣ ክንርኢ ኢና።

Jul 3, 2025
Jul 3, 2025
26 min
ኣብዚ ካልኣይቲ ክፋል፣ ሰንበት ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይዀነት፣ እግዚአብሔር ብህልዉንኡ ንህዝቡ ከም ዝቕደስ ኪዳን ኮይና ዝቖመት መዓልቲ ምዃናን፣ ብተወሳኺ ካብ ባርነት ሓራ ናይ ምዉጻእ ምልክት፣ ግዙኣት ሓራ ዝዉጽኡላ፣ ድኽነት ዝሰዓረላ፣ ናይ ምሕረት፣ ናይ ቅዱስ እኬባ፣ መስዋእቲ ናብ እግዚአብሔር ዞዓርገላ መዓልቲ ምዃና፣ ክንርኢ ኢና።

Jul 3, 2025
Jul 3, 2025
27 min
መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘኽር ትብል ራብዐይቲ ትእዛዝ መእተዊ ቀዳማይ ክፋል ኮይኑ፣ ኣብዚ መደብ ኣበጋግሳ ናይዛ ሕጊ ካበይ ዘፍጥረት ዝጀመረ ከም ዝዀነን፣ ጐይታ በዛ መዓልቲ ፍጥረት ካብ ምፍጣር ከም ዘዕረፈ፣ ንዓለም ብመለኮታዊ ባህሪኡ ካብ ምስሳይ ግና ከም ዘየዕረፈ፣ ንሕና ድማ፣ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሕጊ ተከቲልና፣ ከምኡ ካብ ስራሕ ከነዕርፍ፣ በቲ ናቱ ጸጋ ክንስሰይ ድማ ንሰንበት ከነኽብር ከም ዝግብኣና ክንመሃሃር ኢና።

May 28, 2025
May 28, 2025
51 min
ኣብዛ ካልአይትን መወዳእታን ክፋል፣ ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ኣይትለዕል እንታይ ማለት እዩ? ብከንቱ ትርጉሙ እንታይ እዩ? ስም እግዚአብሔር ምጽራፍ ከም ዘይግባእ፣ ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ከነልዕል ከምዘይግባእ፣ ክንምሕል ክንሕስው፣ ከንቃልል ከም ዘይግባእ ኣብዚ ክንዝቲ ኢና። ብትወሳኺ ከመይ ጌርና ኢና ስም እግዚአብሔር ከንኽብር ዘለና? ክንጽሊ፣ ከነመስግን፣ ስሙ ክንቕድስ፣ በቲ ንነብሮ ናብራ ስሙ ክንቕድስ ከም ዝግባእ ክንማሃር ኢና። ሰሚዕኹም በረኸት እንድህሪ ረኺብኩም፣ ናብ ካልኦት መንፈሳዊ ረብሓ ክረብሑሉ ዝኽእሉ፣ ሼር በልዎም። እግዚአብሔር ይባርኽኩም።

May 26, 2025
May 26, 2025
45 min
ሰላም ንዓኹም፣ ብሰንኪ ጻዕቒ ስራሕ ከይተዘርግሐ ዝቐነየ፣ መበል ራብዓይ ክፋል ትምህርቲ ብዛዕባ 10 ትእዛዛት ናባዂም የብሎ ኣሎኹ። ኣብዚ ትምህርቲ ብዛዕባ እታ ሳልሰይቲ ሕጊ፣ "ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ኣይተልዕል" ክንዝትይ ኢና። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስም፣ ኣስማት እግዚአብሔር፣ ልዕልና ስም እግዚአብሔር ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ ኢየሱስ ድዩ ዝበሃል፣ ዋላስ የሱስ፣ ዋላስ እየሱስ ባዕልኹም ከተንብብዎ ይላበው። ብሩኽ ምኽትታል። ሰሚዕኹም በረኸት እንድሕሪ ረኺብኩምሉ፣ ናብ ካልኦት ሼር ክትብልዎ ብትሕትና ይሓትት። ብሩክ ምኽትታል መደብ።

May 1, 2025
May 1, 2025
41 min
ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።"
- ብባዕላዊ መገዲ ንእግዚአብሔር ዘምለኹ እንታይ ኣጋጢምዎም?
- በቲ ቅኑዕ መገዲ ዘምለኹ`ከ እንታይ በረኸት ረኺቦም?
- ንሳልሳይ ራብዓይን ወለዶ ምቕጻዕ ከመይ እዩ?
- ንኣሻሓት ወለዶ ምምሓር`ከ ከመይ እዩ?
- መዛዘሚት ክፋል

ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን። ሰላም ንዓኹም! ፈለገ ጥበብ ስም ናይ ዝዓበኹሉ ትምህርቲ ሰንበት እዩ፣ ፍኖተ ኣትናቴዎስ ድማ ናይ ብርዒ ስመይ ኮይኑ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ዘገልግል ታራ ካህን እየ።
እዚ ትምህርቲ፣ ነቶም ብጉስነት ንዝመርሖም ምእመናን የሕዋተይን ኣሓተይን ዝተዳለወ ሶሙናዊ መደብ ኮይኑ፣ ንስኻትኩም ዉን ሰሚዕኹም በረኸት ክትካፈሉ ናባኹም የብሎ ኣለኹ።
ዝረብሕ ኮይኑ እንድሕሪ ረኺብኩሞ፣ ናብ ካልኦት ሼር ብምባልን ላይክ ብምግባርን ንዕቤት ናይዚ ፖድካስት እጃምኹም ከተበርኽቱ ብትሕትና ይሓትት።
እግዚአብሔር ይባርኹም፣ ገጹ የብርሃልኹም። ኣሜን
