
2.2K
Downloads
23
Episodes
An Eritrean Orthodox Priest Rooted in the timeless wisdom of the Church Fathers, this podcast is a humble offering from a servant of the Eritrean Orthodox Church. Under the pen name Fnote-Atnatiewos, I share reflections, teachings, and spiritual guidance—born from love for Christ and a deep responsibility to shepherd the faithful entrusted to me. May each episode inspire, uplift, and strengthen you in your daily walk with our God, Savior, and Lord Jesus Christ. ”ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ እዩ።” /ምሳሌ 25፡11/ ከም ዝብል፡ ቅምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታትን ኣዴታትን ዉን ከምኡ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፖድካስት፣ ትምህርቲ ቅዱሳን ሊቃዉንቲ እንብሎም፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ዘለዉ፣ ብቅድስና ህይወቶምን፣ ብቅንዕና ትምህርቶምን ዝተመስከረሎም መማህራን ቤተክርስቲያን፣ ትምህርቶም ንምትሕልላፍ እዩ። ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ብዓቢኡ ጐይታ ዝሰረቶ፣ ብድሕሪኡ ዉን ሓዋርያት ዝነደቕዎ፣ ሰዓብቲ ሓዋርያት በዓል ፖሊካርፐስ፣ ኢግናጥዮስ፣ ሄራንዮስ፣ ቀለሜንጦስ፣ ኢራንዮስ፣ ኣትናቴዎስ፣ ኣፈወርቅ፣ ቄርሎስ፣ ባሲልዮስ፣ ጎርጎርዮስ. . . ወዘተ ዝመሃርዎ ትምህርቲ እዩ። ትምህርቶም ዘገድሰኩም እንድሕሪ ኮይኑ፣ ናብ ቅኑዕ ፖድካስት መጺእኹም ኣለኹም። ታራ ካህን እየ፣ ፍቕሪ ክርስቶስ ናብ ዂሉ ክበጽሕ ዓቢ ባህጊ ኣለኒ፣ ስለዚ ሰሚዕኹም ክትረብሕሉን፣ ንካልኦት ምእንቲ ክጠቕሞም ዉን ናብ ካልኦት ሼር ክትብልዎ ይላበው። ምስጋና ንአብ፣ ምስጋና ንወልድ፣ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ፣ ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም፣ ኣሜን።
Episodes

Apr 6, 2024
Apr 6, 2024
59 min
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን (ሓዉ ንቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ) ብዛዕባ ናብራ ቅድስና እንታይ ይመስል ንኽምህር ካብ ዘዳለዋ፣ ናይ ሙሴ ህይወት (The Life of Moses) እትብል መጽሓፉ ዝተወስደ ትምህርቲ፣ ቀዳመይቲ ክፋል።
https://www.amazon.com/Gregory-Nyssa-Classics-Western-Spirituality/dp/0809121123
ሰሚዕዂም በረኸት እንድሕሪ ረኺብኩምሉ፣ ንካልኦት ሼር በልዎ።
እግዚአብሔር ኣምላኽና ናይ ቅዳስኑ በረኸት የካፍለና። ኣሜን!

Apr 5, 2024
Apr 5, 2024
21 min
ቅዱስ ዮዉሓንስ ብዛዕባ ጾም ካብ ዝመሃሮ ዝተወስደ። ብሩኽ ምክትታል።
https://fnoteatnatiewos.com/2021/03/17/%e1%8c%be%e1%88%9d-%e1%89%85%e1%8b%b1%e1%88%b5-%e1%8b%ae%e1%88%83%e1%8a%95%e1%88%b5-%e1%8a%a3%e1%8d%88%e1%8b%88%e1%88%ad%e1%89%85-2/

Mar 29, 2024
Mar 29, 2024
43 min
ነቲ ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ግብሪ ቀንጢጥና ብምስቃል፣ ከመይ ጌርና ናብ ምስሊ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንመስል ንኽእል። ናይ መወዳእታ ክፋል።
"እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብ መከራ ፈሪሑ ኣይኰነን ሰናይ ግብሪ ዝገብር፣ ወይ ዓስቢ ክረኽብ ተስፋ ስለዘለዎ ዉን ኣይኰነን ካብ ክፋእ ዝርሕቕ። እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብ ብፍቕሪ እዩ ንሰናይ ነገር ዝተግህ።
ኩሉ ተግባራቱ ንዉልቃዊ ረብሓት ዝዓለመ ኣይኰነን፣ ስለዚ ተባራቱ ብናይ ዉልቃዊ ድሌታቱ ኣምርሑን። ጽባቐ ናይ ሰናይ ግብሪ ጽቡቕ ጌሩ ስለዘስተማቐረ ግና፣ ንኲሉ ሰናይ ግብሪ ብፍጹም ትግሃትን ብሙሉእ ሓይሉን ይፍጽሞ። ኣብ ዝና ኣይግደስን። ብሰብ ዉን ጽቡቕ ክውረየሉ ኣይገብርን፣ ወይ ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ክረኽብ ኢሉ ዉን ኣይሓስብን።
ናይ ሓደ ፍጹም ሰብ መምርሒ ህይወቱ፣ ሓንቲን እንኰን እያ። ብመልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ምዃን ጥራሕ እዩ።"
ቅዱስ ቀለሜንጦስ ዘእስክንድርያ

Mar 26, 2024
Mar 26, 2024
53 min
ከመይ ጌርና ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና፡ ምስ ኲሉ ፍትወቱ ኣብ መስቀል ሰቒልና፣ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ንኽእል? ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ትምኒታቱ ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ። ኣዳም ናብቲ ምስሊ ኣምላኽ ንከይዓቢ ሕጊ ብምጥሓሱ ምስ ተዓንቀጸ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ናብቲ ናይ ቀደም ምስሉ መሊስዎ።

Mar 22, 2024
Mar 22, 2024
34 min
ከመይ ጌርና ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና፡ ምስ ኲሉ ፍትወቱ ኣብ መስቀል ሰቒልና፣ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ንኽእል? ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ትምኒታቱ ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ።

Mar 18, 2024
Mar 18, 2024
9 min
እብ ምዝዛም ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ራቬና ትበሃል ዓዲ ኤጲስቆጶስ ዝነበረ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ጾምን ጸሎትን ምሕረትን ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ ትምህርቲ፣ ሰሚዕኹም በረኸት ተኻፈሉ።

Mar 16, 2024
Mar 16, 2024
42 min
ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣነ ኣባት ነፍሲ ኮይነ ዝኣልዮም ዘለኹ መንፈሳዊ የሕዋተይ ዝተዳለወ ትምህርቲ ኮይኑ፣ እዚ ቀዳማይ ብዛዕባ ናይ ጾም 40 መእተዊ ትምህርቲ እዩ። ሰናይ ምክትታትል

ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን። ሰላም ንዓኹም! ፈለገ ጥበብ ስም ናይ ዝዓበኹሉ ትምህርቲ ሰንበት እዩ፣ ፍኖተ ኣትናቴዎስ ድማ ናይ ብርዒ ስመይ ኮይኑ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ዘገልግል ታራ ካህን እየ።
እዚ ትምህርቲ፣ ነቶም ብጉስነት ንዝመርሖም ምእመናን የሕዋተይን ኣሓተይን ዝተዳለወ ሶሙናዊ መደብ ኮይኑ፣ ንስኻትኩም ዉን ሰሚዕኹም በረኸት ክትካፈሉ ናባኹም የብሎ ኣለኹ።
ዝረብሕ ኮይኑ እንድሕሪ ረኺብኩሞ፣ ናብ ካልኦት ሼር ብምባልን ላይክ ብምግባርን ንዕቤት ናይዚ ፖድካስት እጃምኹም ከተበርኽቱ ብትሕትና ይሓትት።
እግዚአብሔር ይባርኹም፣ ገጹ የብርሃልኹም። ኣሜን
