
1.2K
Downloads
18
Episodes
An Eritrean Orthodox Priest Rooted in the timeless wisdom of the Church Fathers, this podcast is a humble offering from a servant of the Eritrean Orthodox Church. Under the pen name Fnote-Atnatiewos, I share reflections, teachings, and spiritual guidance—born from love for Christ and a deep responsibility to shepherd the faithful entrusted to me. May each episode inspire, uplift, and strengthen you in your daily walk with our God, Savior, and Lord Jesus Christ. ”ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ እዩ።” /ምሳሌ 25፡11/ ከም ዝብል፡ ቅምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታትን ኣዴታትን ዉን ከምኡ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፖድካስት፣ ትምህርቲ ቅዱሳን ሊቃዉንቲ እንብሎም፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ዘለዉ፣ ብቅድስና ህይወቶምን፣ ብቅንዕና ትምህርቶምን ዝተመስከረሎም መማህራን ቤተክርስቲያን፣ ትምህርቶም ንምትሕልላፍ እዩ። ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ብዓቢኡ ጐይታ ዝሰረቶ፣ ብድሕሪኡ ዉን ሓዋርያት ዝነደቕዎ፣ ሰዓብቲ ሓዋርያት በዓል ፖሊካርፐስ፣ ኢግናጥዮስ፣ ሄራንዮስ፣ ቀለሜንጦስ፣ ኢራንዮስ፣ ኣትናቴዎስ፣ ኣፈወርቅ፣ ቄርሎስ፣ ባሲልዮስ፣ ጎርጎርዮስ. . . ወዘተ ዝመሃርዎ ትምህርቲ እዩ። ትምህርቶም ዘገድሰኩም እንድሕሪ ኮይኑ፣ ናብ ቅኑዕ ፖድካስት መጺእኹም ኣለኹም። ታራ ካህን እየ፣ ፍቕሪ ክርስቶስ ናብ ዂሉ ክበጽሕ ዓቢ ባህጊ ኣለኒ፣ ስለዚ ሰሚዕኹም ክትረብሕሉን፣ ንካልኦት ምእንቲ ክጠቕሞም ዉን ናብ ካልኦት ሼር ክትብልዎ ይላበው። ምስጋና ንአብ፣ ምስጋና ንወልድ፣ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ፣ ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም፣ ኣሜን።
Episodes

Monday Mar 31, 2025
10. ቀዳመይቲ ትእዛዝ 1ይቲ ክፋል
Monday Mar 31, 2025
Monday Mar 31, 2025
ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ቀዳመይቲ ናይ ሰለስተ ክፋል እያ።

Saturday Mar 15, 2025
9. ዓሰርተ ትእዛዛት መእተዊ ካልኣይ ክፋል
Saturday Mar 15, 2025
Saturday Mar 15, 2025
ኣብ ዓቢ ጾም፣ ጾመ 40 (2017 ዓ.ም.ግ ወይ 2025 ዓ.ም.ግ) ዝተዋህበ ንምእመናን ዝተዋህበ ትምህርቲ። እዚ መእተዊ ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት ኮይኑ፣ ካልኣይ ክፋል ሰሚዕኹም ንበረኸት ክኾነኹም ጸሎተይ እዩ።

Saturday Mar 15, 2025
8. ዓሰርተ ትእዛዛት መእተዊ. ቀዳማይ ክፋል
Saturday Mar 15, 2025
Saturday Mar 15, 2025
ኣብ ዓቢ ጾም፣ ጾመ 40 (2017 ዓ.ም.ግ ወይ 2025 ዓ.ም.ግ) ዝተዋህበ ንምእመናን ዝተዋህበ ትምህርቲ። እዚ መእተዊ ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት ኮይኑ፣ ቀዳማይ ክፋል ሰሚዕኹም ንበረኸት ክትኻፈሉ፣ ናባኹም የብሎ።

Saturday Apr 06, 2024
7. ናይሙሴ ህይወት - ቅ.ጎርጎርዮስ ዘኒሱን ቁ.1
Saturday Apr 06, 2024
Saturday Apr 06, 2024
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን (ሓዉ ንቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ) ብዛዕባ ናብራ ቅድስና እንታይ ይመስል ንኽምህር ካብ ዘዳለዋ፣ ናይ ሙሴ ህይወት (The Life of Moses) እትብል መጽሓፉ ዝተወስደ ትምህርቲ፣ ቀዳመይቲ ክፋል።
https://www.amazon.com/Gregory-Nyssa-Classics-Western-Spirituality/dp/0809121123
ሰሚዕዂም በረኸት እንድሕሪ ረኺብኩምሉ፣ ንካልኦት ሼር በልዎ።
እግዚአብሔር ኣምላኽና ናይ ቅዳስኑ በረኸት የካፍለና። ኣሜን!

Friday Apr 05, 2024
6. ጾም- ብቅዱስ ዮውሓንስ ኣፈወርቅ
Friday Apr 05, 2024
Friday Apr 05, 2024
ቅዱስ ዮዉሓንስ ብዛዕባ ጾም ካብ ዝመሃሮ ዝተወስደ። ብሩኽ ምክትታል።
https://fnoteatnatiewos.com/2021/03/17/%e1%8c%be%e1%88%9d-%e1%89%85%e1%8b%b1%e1%88%b5-%e1%8b%ae%e1%88%83%e1%8a%95%e1%88%b5-%e1%8a%a3%e1%8d%88%e1%8b%88%e1%88%ad%e1%89%85-2/

Friday Mar 29, 2024
5. ከመይ ጌርና ናብ ምስሊ ክርስቶስ ክንዓቢ ንኽእል? 3ይን መወዳእታ ክፋል
Friday Mar 29, 2024
Friday Mar 29, 2024
ነቲ ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ግብሪ ቀንጢጥና ብምስቃል፣ ከመይ ጌርና ናብ ምስሊ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንመስል ንኽእል። ናይ መወዳእታ ክፋል።
"እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብ መከራ ፈሪሑ ኣይኰነን ሰናይ ግብሪ ዝገብር፣ ወይ ዓስቢ ክረኽብ ተስፋ ስለዘለዎ ዉን ኣይኰነን ካብ ክፋእ ዝርሕቕ። እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብ ብፍቕሪ እዩ ንሰናይ ነገር ዝተግህ።
ኩሉ ተግባራቱ ንዉልቃዊ ረብሓት ዝዓለመ ኣይኰነን፣ ስለዚ ተባራቱ ብናይ ዉልቃዊ ድሌታቱ ኣምርሑን። ጽባቐ ናይ ሰናይ ግብሪ ጽቡቕ ጌሩ ስለዘስተማቐረ ግና፣ ንኲሉ ሰናይ ግብሪ ብፍጹም ትግሃትን ብሙሉእ ሓይሉን ይፍጽሞ። ኣብ ዝና ኣይግደስን። ብሰብ ዉን ጽቡቕ ክውረየሉ ኣይገብርን፣ ወይ ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ክረኽብ ኢሉ ዉን ኣይሓስብን።
ናይ ሓደ ፍጹም ሰብ መምርሒ ህይወቱ፣ ሓንቲን እንኰን እያ። ብመልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ምዃን ጥራሕ እዩ።"
ቅዱስ ቀለሜንጦስ ዘእስክንድርያ

Tuesday Mar 26, 2024
4. ኣረጊት ኣዳምን ሓድሽ ሰብን
Tuesday Mar 26, 2024
Tuesday Mar 26, 2024
ከመይ ጌርና ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና፡ ምስ ኲሉ ፍትወቱ ኣብ መስቀል ሰቒልና፣ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ንኽእል? ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ትምኒታቱ ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ። ኣዳም ናብቲ ምስሊ ኣምላኽ ንከይዓቢ ሕጊ ብምጥሓሱ ምስ ተዓንቀጸ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ናብቲ ናይ ቀደም ምስሉ መሊስዎ።

Friday Mar 22, 2024
3. ነቲ ኣረጊት ሰብነትና ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ!
Friday Mar 22, 2024
Friday Mar 22, 2024
ከመይ ጌርና ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና፡ ምስ ኲሉ ፍትወቱ ኣብ መስቀል ሰቒልና፣ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ንኽእል? ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ትምኒታቱ ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ።

ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን። ሰላም ንዓኹም! ፈለገ ጥበብ ስም ናይ ዝዓበኹሉ ትምህርቲ ሰንበት እዩ፣ ፍኖተ ኣትናቴዎስ ድማ ናይ ብርዒ ስመይ ኮይኑ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ዘገልግል ታራ ካህን እየ።
እዚ ትምህርቲ፣ ነቶም ብጉስነት ንዝመርሖም ምእመናን የሕዋተይን ኣሓተይን ዝተዳለወ ሶሙናዊ መደብ ኮይኑ፣ ንስኻትኩም ዉን ሰሚዕኹም በረኸት ክትካፈሉ ናባኹም የብሎ ኣለኹ።
ዝረብሕ ኮይኑ እንድሕሪ ረኺብኩሞ፣ ናብ ካልኦት ሼር ብምባልን ላይክ ብምግባርን ንዕቤት ናይዚ ፖድካስት እጃምኹም ከተበርኽቱ ብትሕትና ይሓትት።
እግዚአብሔር ይባርኹም፣ ገጹ የብርሃልኹም። ኣሜን