
1.2K
Downloads
18
Episodes
An Eritrean Orthodox Priest Rooted in the timeless wisdom of the Church Fathers, this podcast is a humble offering from a servant of the Eritrean Orthodox Church. Under the pen name Fnote-Atnatiewos, I share reflections, teachings, and spiritual guidance—born from love for Christ and a deep responsibility to shepherd the faithful entrusted to me. May each episode inspire, uplift, and strengthen you in your daily walk with our God, Savior, and Lord Jesus Christ. ”ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ እዩ።” /ምሳሌ 25፡11/ ከም ዝብል፡ ቅምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታትን ኣዴታትን ዉን ከምኡ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፖድካስት፣ ትምህርቲ ቅዱሳን ሊቃዉንቲ እንብሎም፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ዘለዉ፣ ብቅድስና ህይወቶምን፣ ብቅንዕና ትምህርቶምን ዝተመስከረሎም መማህራን ቤተክርስቲያን፣ ትምህርቶም ንምትሕልላፍ እዩ። ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ብዓቢኡ ጐይታ ዝሰረቶ፣ ብድሕሪኡ ዉን ሓዋርያት ዝነደቕዎ፣ ሰዓብቲ ሓዋርያት በዓል ፖሊካርፐስ፣ ኢግናጥዮስ፣ ሄራንዮስ፣ ቀለሜንጦስ፣ ኢራንዮስ፣ ኣትናቴዎስ፣ ኣፈወርቅ፣ ቄርሎስ፣ ባሲልዮስ፣ ጎርጎርዮስ. . . ወዘተ ዝመሃርዎ ትምህርቲ እዩ። ትምህርቶም ዘገድሰኩም እንድሕሪ ኮይኑ፣ ናብ ቅኑዕ ፖድካስት መጺእኹም ኣለኹም። ታራ ካህን እየ፣ ፍቕሪ ክርስቶስ ናብ ዂሉ ክበጽሕ ዓቢ ባህጊ ኣለኒ፣ ስለዚ ሰሚዕኹም ክትረብሕሉን፣ ንካልኦት ምእንቲ ክጠቕሞም ዉን ናብ ካልኦት ሼር ክትብልዎ ይላበው። ምስጋና ንአብ፣ ምስጋና ንወልድ፣ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ፣ ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም፣ ኣሜን።
Episodes

Monday May 26, 2025
17. ሳልሰይቲ ሕጊ ቀዳመይቲ ክፋል
Monday May 26, 2025
Monday May 26, 2025
ሰላም ንዓኹም፣ ብሰንኪ ጻዕቒ ስራሕ ከይተዘርግሐ ዝቐነየ፣ መበል ራብዓይ ክፋል ትምህርቲ ብዛዕባ 10 ትእዛዛት ናባዂም የብሎ ኣሎኹ። ኣብዚ ትምህርቲ ብዛዕባ እታ ሳልሰይቲ ሕጊ፣ "ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ኣይተልዕል" ክንዝትይ ኢና። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስም፣ ኣስማት እግዚአብሔር፣ ልዕልና ስም እግዚአብሔር ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ ኢየሱስ ድዩ ዝበሃል፣ ዋላስ የሱስ፣ ዋላስ እየሱስ ባዕልኹም ከተንብብዎ ይላበው። ብሩኽ ምኽትታል። ሰሚዕኹም በረኸት እንድሕሪ ረኺብኩምሉ፣ ናብ ካልኦት ሼር ክትብልዎ ብትሕትና ይሓትት። ብሩክ ምኽትታል መደብ።
No comments yet. Be the first to say something!